መን ኢና? እንታይ'ከ ንገብር?
Who are we? And, What Do we do?
ንሕና፡ ንስድራቤት እሱራት፡ ንእሱራትን፡ ንዘኽታማት ቆልዑን ንምድጋፍ ልብና ዝተበገሰ ኣመንቲ ኮይንና፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝተገብረ ሃገራዊ ጾምን ጸሎትን፡ ብወግዒ በዚ ጾር ተደሪኽና ክንዓዪ ዝወሰንና ወለንተኛታት ኢና። ካብዚ ተበጊስና፡ ኣብ 2020፡ ነዚ ዕላማ ንምግባር፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ሕጋዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ድሕሪ ምምዝጋብ፡ ብወግዒ ክንሰርሕ ጀሚርና። ኣብቲ ወርሓዊ ንገብሮ ሃገራዊ ጾምን ጸሎት ንዝእከቡ ኩሎም፡ ቀጻሊ፡ ገንዘብን ንዋትን ከበርክቱ ብምዕዳም፡ በቲ ዝዋጻእ ገንዘብ፡ ንብዙሓት፡ ምስ ኣብ ዓዲ ዘለዉ መሳርሕትና ብምትሕብባር፡ ደገፍ ከም ዘድልዮም ዘለለናዮም ስድራቤት እሱራት፡ ኣብ ምድጋፍ ንርከብ።
As Christians, and according to the Scriptures, and as regularly stated in our regular month-end prayer and fasting, we are a group of believers committed to serving the lord in practice, by working to alleviate the plight of orphan children and families of those imprisoned because of their faith. As people who come from war torn and blighted country, we know firsthand the devastation of war, and the incredible destruction it causes to society, and we are committed to do all we can to contribute to solving the problem. To this end, we rely on people whose heart is motivated and driven to support our projects financially and materially.
ብኸመይ መንገዲ ኢና ሓገዝ ንህብ?
How do we Provide Support?
እቲ ንስድራቤት እሱራትን ንእሱራትን ደገፍ ናይ ምሃብ ዕዮና፡ ኣብ ዓዲ ምስ ዘለዉ መሳርሕትና ብምትሕብባር፡ ቀጻሊ ደገፍ ናይ ዘድልዮም ሰባት ኣስማትን ሓበሬታን ድሕሪ ምርካብ፡ ዝግባእ መጽናዕትን ምምማይን ድሕሪ ምግባር፡ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ብመንገዲ እቶም ኣብ ዓዲ ዝርከቡ መዓይይትና ንህብ።
እቲ ዘኽታማት ናይ ምድጋፍ ፕሮጀክትና ድማ፡ በዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ሜላታት ክንገብሮ መደብ ኣውጺእና፡ ብንጥፈት ንሰርሓሉ ኣለና።
1. ኣብ ዝተመርጹ ቦታታት ምስ ዘለዋ ቤተክርስትያናት ናይ ስራሕ ዝምድና ብምፍጣር፡ ንዘኽታማት ናይ ምእላይ መደብ ስራሕ ብምንዳፍ፡ ንምትግባሩ ዝኸውን ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዝ ቀጻሊ ምሃብ።
2. ዘኽታማት ምስ ወለንተኛታት ኣለይቲ (ስድራ ወይ ውልቀ-ሰባት ወይ ወከልቲ ካብ ዞባውያን ቤተክርስትያናት) ብምዝማድ፡ ቀጻሊ ገንዘባውን ንዋታውን ደገፍ ምሃብ።
3. ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ድማ፡ ሕግን ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ብዘፍቅዶን፡ ምስ ዘለና ገንዘባዊ ዓቕሚ ድማ ብዝመጣተን መንገድን፡ ብቐጥታ፡ ኣብ ዝተመርጻ ከተማታት፡ ከም ኣድላይነቱ መእለዪ ዘኽታማት ብምምስራት፡ ኣካይድተን ዝኾና ሰባት ብምምዛዝ፡ ቀጻሊ ንዋታውን ገንዘባውን ሞያውን ሓገዝ እንዳሃብካ፡ ርእሰን ክኢለን ባዕለን ክመሓደራሉ ዝኽእላ ቁጠባዊ ንጥፈታት ከም ዝህልወን ብምግባር።
እቲ ካልኣይ ሜላ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህሉው ፖለቲካውን ሕጋውን ሃዋህው ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ብቕጽበት ነቲ ዘኽታማት ናይ ምድጋፍ ዕላማና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ዘኽእል እዩ። በዚ መሰረት፡ ልክዕ ከምቲ ንእሱራትን ስድራቤቶምን ብዘይወግዓዊ መንገዲ፡ ሓገዝ ዘድልዮም ዘኽታማት ቆልዑ ብምልላይ፡ ሓበሬታኦም ብስቱር ተቐቢልና፡ ቀጻሊ ደገፍ ንህብ።
Our first project of providing support to the families of the imprisoned is achieved by collaborating with our local networks to identify those in need and providing financial aid after conducting our due diligence.
We intend to implement our project to support orphan children in Eritrea and Tigray through building a network of centralized orphan centers and decentralized (informal) orphan support networks. Our three strategies are the following:
1. Collaborating with local Churches to set up support systems for orphan children and providing sustained financial and material support.
2. Matching identified and selected orphaned children who need support with informal networks of support (of individuals, couples, and churches), which we will provide with sustained financial and material support.
3. Directly setting up locally managed orphan centers in selected cities, with view to supporting them financially and materially until they become economically viable and self-sufficient.
እዋናዊ ኣተኮሮና/Our Current Focus
ፕሮጀክት ደገፍ ንቤተሰብ ናይ እምነት እሱራት/Project To Support Families of Prisoners of Faith
ሓበሬታ ብዛዕባ ንቤተሰብ ናይ እምነት እሱራት ዝተገብረ ደገፍ ብቐጻሊ ኣብዚ ዓምዲ ይቐርብ። Information about our efforts to support families of prisoners of faith is regularly posted here.
ፕሮጀክት ደገፍ ንዘኽታማት/Project to Support Orphans
ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ፕሮጀክት ዘኽታማት ዝግበሩ ዕማማት ብቐጻሊ ኣብዚ ዓምዲ ይቐርብ። Information about our project to support orphans is regularly posted here.
ፕሮጀክት መትከል እግሪ ንካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጹ ናይ እምነት እሱራት/Project to Support Transition of Released Prisoners of Faith
ሓበሬታ ብዛዕባ ፕሮጀክት ደገፍ ንዘኽታማት ብቐጻሊ ኣብዚ ዓምዲ ይቐርብ። Information about our project to support transition of released prisoners of faith is regularly posted here.
You are interested in being part of the team and contributing to our mission?/ ኣብዚ ተልእኾ ከተበርክት ብልቢ ትደሊ?
ናብ ብርሃን ሓቂ ንምጽሓፍ ኣብ የማን ዘሎ ጠውቕ። Please, click to your right to contact Brhan Haki.
ጸብጻብ ምሕጋዝ ዘኽታማት/Reports
- ጸብጻብ ወርሒ ነሓሰ/Report for Month – August, 2023
- ጸብጻብ ወርሒ መስከረም/Report for Month – September 2023
- ጸብጻብ ወርሒ ሕዳር/Report for Month – November 2023
- ጸብጻብ ወርሒ ታሕሳስ/Report for Month – December 2023
- ጸብጻብ ወርሒ ጥሪ 2024 /Report for Month – January 2024
- ፋይናንስያዊ ጸብጻብ ሰልሰተ ወርሒ (ሰነ፡ ሓምለ፡ ነሓሰ 2023) – Three Month Financial Report (June, July, August 2023)